ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ
WAHS HOUSE SAVING AND CONSTRUCTION S/C
WAHS HOUSE SAVING AND CONSTRUCTION S/C

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር እንትኾን አብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማትን አብ ምፍታሕ ናይ ባዕላ ተራ ክትፃወት ዓሊማ ዝተመስረተት ትካል እያ።

ትካልና ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተቐመጠ ዕላማ ንምፅዋት ዘኽእልዎ ብዙሓት ተግባራት አብ ምፍፃም ዝርከብ እንትኸውን ፤ ካብዚኦም ውሽጢ ድማ ናይ ገዛ ድሌት ዘለዎም ዓማዊል ምዝገባን ፣ ናይ አክስዮን መሸጣን እናካየደ እዩ ዝርከብ።



Stock

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ናይ አክስዮን መሸጣ እናካየደት እትርከብ እንትትከውን አፈፃፅሙን ረብሑን ድማ ከምዚ ዝስዕብ ተቀሚጡ አሎ


Our on sell stock

ናይ ሓደ አክስዮን ወይ ዕጫ ዋጋ ብር 2,000 ብር እንትኾንሓደ አብ ትካልና አባል ንኽኾን ዝደሊ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ዝተሓተ መጠን አክስዮን 20 ዝለዓለ ድማ 750 ዕጫ ምግዛዕ ይፅበይ።ናብ ገንዘብ እንትቅየር ድማ ካብቲ ዝተሓተ 40,000 ብር ክሳብ እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 1,500,000 ብር እዩ።

አከፋፍላ ዝምልከት እቲ ንኽገዝእዎ ዝወሰኑ መጠን ገንዘብ ብሓደ ግዘ ወይ ድማ አብ ክልተ ዙር ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም።ብዙይ መሰረት እቲ ፍርቂ ናይ አክስዮን ዋጋ ናይ መመዝገቢ 5% አብ መጀመርያ ዙር ዝክፈል እንትኸውን እቲ ዝተረፈ (50%) ድማ ዕድጊት ካብ ዝፍፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ አርባዕተ ወርሒ ውሽጢ ተኸፊሉ ይውዳእ።

ዝኾነ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ገንዘብ ብባንኪ ዝፍፀም እንትኸውን ፤ ዓማዊል እቲ አታዊ ዝገበረሉ ደርሰኝ ናብ ትካልና ሒዞም ብምምፃእን ተወሳኺ ናይ ትካልና ደረሰኝ ብምውሳድን ናይ ትካልና አባላትን ሰብ ዋናን ምዃኖም የረጋግፁ።


Company Goal

አብ ናይ ዋሕስ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር ብዋናነት ዝሓሰብናዮም ዕላማታትና ከምዝስዕብ ተቀሚጡ አሎ


Constraction

ነቲ ትሑት አታዊ ዘለዎ ናይ ሕ/ሰብ ክፍሊዝምጥንን ንዝተፈላለዩ አገልግሎታት ዝውዕልን ናይ መንበርን መስርሕን ቦታታት ምህናፅ

Save House

አብ ዋሕሲ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር ብምቁጣብ ናይ መንበሪ ፅገሞም ዝፈትሕሉ ዕድል ምፍጣር

Sell Real Estate

አብ ሀገርና ብዘሎ ናይ ገዛ ፀገም ብምርዳእ ፅሬቶምን ደረጀኦምን ብዘለዓለ ጥንቓቐ ዝተሰርሑ ናይ ሪል እስቴት ምሽያጥ ስራሕቲ ምስራሕ

House Design

ምስቲ አብ ዓለምና ዘሎ ናይ ገዛ ስራሕቲ ደረጃታት ማእኸል ዝገበረ ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ ዲዛይንን ፅንዓትን ስራሕቲ ምክያድ

Import & Export

አብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝርከቡ ምህርትን ካልኦት ነገራት ናብ ወፃኢ ሰደድ ምግባርን ናብ ዓዲ ውሽጢ ምእታውን

Construction Training

አብ ሀገርና ዘሎ ናይ ገዛ ፀገም ክፈትሑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሽን ስልጠናታት መሰልጠኒ ማእኸል ምኽፋት