ናይ ሓደ አክስዮን ወይ ዕጫ ዋጋ ብር 2,000 ብር እንትኾንሓደ አብ ትካልና አባል ንኽኾን ዝደሊ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ዝተሓተ መጠን አክስዮን 20 ዝለዓለ ድማ 750 ዕጫ ምግዛዕ ይፅበይ።ናብ ገንዘብ እንትቅየር ድማ ካብቲ ዝተሓተ 40,000 ብር ክሳብ እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 1,500,000 ብር እዩ።
አከፋፍላ ዝምልከት እቲ ንኽገዝእዎ ዝወሰኑ መጠን ገንዘብ ብሓደ ግዘ ወይ ድማ አብ ክልተ ዙር ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም።ብዙይ መሰረት እቲ ፍርቂ ናይ አክስዮን ዋጋ ናይ መመዝገቢ 5% አብ መጀመርያ ዙር ዝክፈል እንትኸውን እቲ ዝተረፈ (50%) ድማ ዕድጊት ካብ ዝፍፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ አርባዕተ ወርሒ ውሽጢ ተኸፊሉ ይውዳእ።
ዝኾነ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ገንዘብ ብባንኪ ዝፍፀም እንትኸውን ፤ ዓማዊል እቲ አታዊ ዝገበረሉ ደርሰኝ ናብ ትካልና ሒዞም ብምምፃእን ተወሳኺ ናይ ትካልና ደረሰኝ ብምውሳድን ናይ ትካልና አባላትን ሰብ ዋናን ምዃኖም የረጋግፁ።