Stock


አሸያይጣ አክስዮን ዝምልከት

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ናይ አክስዮን መሸጣ እናካየደት እትርከብ እንትትከውን አፈፃፅሙን ረብሑን ድማ ከምዚ ዝስዕብ ተቀሚጡ አሎ


  • ናይ ሓደ አክስዮን ወይ ዕጫ ዋጋ ብር 2,000 ብር እንትኾን
  • ሓደ አብ ትካልና አባል ንኽኾን ዝደሊ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ዝተሓተ መጠን አክስዮን 20 ዝለዓለ ድማ 750 ዕጫ ምግዛዕ ይፅበይ።
  • ናብ ገንዘብ እንትቅየር ድማ ካብቲ ዝተሓተ 40,000 ብር ክሳብ እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 1,500,000 ብር እዩ።
  • አከፋፍላ ዝምልከት እቲ ንኽገዝእዎ ዝወሰኑ መጠን ገንዘብ ብሓደ ግዘ ወይ ድማ አብ ክልተ ዙር ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም።
  • ብዙይ መሰረት እቲ ፍርቂ ናይ አክስዮን ዋጋ ናይ መመዝገቢ 5% አብ መጀመርያ ዙር ዝክፈል እንትኸውን እቲ ዝተረፈ (50%) ድማ ዕድጊት ካብ ዝፍፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ አርባዕተ ወርሒ ውሽጢ ተኸፊሉ ይውዳእ።
  • ዝኾነ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ገንዘብ ብባንኪ ዝፍፀም እንትኸውን ፤ ዓማዊል እቲ አታዊ ዝገበረሉ ደርሰኝ ናብ ትካልና ሒዞም ብምምፃእን ተወሳኺ ናይ ትካልና ደረሰኝ ብምውሳድን ናይ ትካልና አባላትን ሰብ ዋናን ምዃኖም የረጋግፁ።

ረብሓ ሰብ አክስዮን (አባላት) ትካል ዋሕስ


  • አብ ትካልና ዙርያ መለስ ተሳትፎ ይህልዎም። ንአብነት አብ አኼባታት ምስታፍ ፣ ምግምጋም ፣ ውሳነታት ምምሕላላፍ ሓዊሱ ክመርፁን ክምረፁን ሙሉእ መሰል አለዎም።
  • ትካልና አብ ዝነጠፈሎም ዕውዲ ስራሕቲ ዙርያ ዘስርሕ ዓቕሚ ፣ ክእለት ፣ ብቕዓትን ፣ ልምድን ድሌትን እንተሃልይዎም ስራሕ ናይ ምርካብ መሰሎም ሕልው እዩ።
  • እዚ ትካል ትርፊ አብ ዝረኸበሎም ግዝያት በብዓመቱ ንኣባላቱ ትርፊ እንተከፋፍል በተን ዝገዝእዎን በዝሒ አክስዮን ተሓሲቡ ዝበፅሖም መጠን ትርፊ ተጠቓሚ ይኾኑ።
  • ገዛ ክሰርሑ ፣ ክገዝኡን ክካረዩን ንዝደልዩ አባላት አክስዮን ቀዳምነት ናይ ምትእንጋድ መሰል አለዎም።
  • አብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ምስ ዝተዋፈሩ አባላቱ 'ውን ናይ ዕዳጋ ምትእስሳር ብምፍጣር ተጠቐምቲ ክኾኑ ይገብር።
  • ናይታ ትካል ምህርትን አገልግሎትን ብምፍላጥን ብምሽያጥን ናይ ኮምሽን ተረባሒ ይገብር።
  • ኣብ ዕላማታትና ዝተዘርዘሩ ስራሕቲ ውክልና ወሲዶም ክሰርሑ ይግበር።

አክስዮን (ዕጫ) ንምግዛዕ ዘብቕዑ ረቛሒታት


  • ኣብ ዓላማን ተግባራትን ትካልና ዝአመነን ብኡኡ ክምራሕ ፍቓደኛ ዝኾነን
  • ትካልና ንአባላትና ዘቐመጦ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ገደብ በዝሒ አክስዮን ክገዝእን በቲ ስርዓት አከፋፍላ ክግዛእን ዝደሊ
  • ናይ መንነቱን ሙሉእ አድራሻኡን ዝገልፅ መፍለይ መንነት ዘለዎ

አክስዮን ዝሽየጠሎም ባንክታት

ናይ አክስዮን ክፍሊት ቁፅሪ ናይ አገልግሎት ክፍሊት ቁፅሪ
09633657-30101 09633657-10101
00311950193-64 00111952322-80
1000541708767 1000541775211
137336308 137339803
1008600008708 1008600008743
5175477890011 0175477890011
01321115105100/
16877
01321115105101/
16878
7000044096687/
100SAV4372
7000044099778/
100SAV4373
2849501001859 2849501001860
2130112738928015 2130112739783018

Attention!

ገንዘብ ናብ ብትካልና ዝተኸፈተ ናይ ሒሳብ ቑፅሪ አታዊ ዝገበረን አታዊ ዝገብረሉ ደረሰኝ ሒዙ ናብ ትካልና ባዕሉ / ሕጋዊ ወኪሉ ልኢኹ ንአባልነት ዝተዳለወ ቅጥዒ ክምልእን ክፍርምን ዝክአል ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ንኣባላት ዝተቀመጡ ረብሓታት ዝማልእሉ ይኸውን።