About us


Establish

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባ ህንፀትን አክስዮን ማሕበር ብተበግሶ ውሑዳት ስራሕ ፈጠርትን ፈተውቲ ልምዓትን ተጋሩ ሓምለ 2014 ዓ/ም ብሓሳብ ተወጢና የካቲት 26/2015 ዓ/ም ብንግዲ ሕጊ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰውነት እንትትረክብ ፤ መጋቢት 30/2015 ዓ/ም ድማ ብ190 መስረቲ አባላትን ብብር 50 ሚልዮን ካፒታልን ዝተመስረተት አክስዮን ማሕበር እያ።

Currently

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር እንትኾን አብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማትን አብ ምፍታሕ ናይ ባዕላ ተራ ክትፃወት ዓሊማ ዝተመስረተት ትካል እያ። ትካልና ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተቐመጠ ዕላማ ንምፅዋት ዘኽእልዎ ብዙሓት ተግባራት አብ ምፍፃም ዝርከብ እንትኸውን ፤ ካብዚኦም ውሽጢ ድማ ናይ ገዛ ድሌት ዘለዎም ዓማዊል ምዝገባን ፣ ናይ አክስዮን መሸጣን እናካየደ እዩ ዝርከብ።

Vision

ማሕበርና ናይ ምቁጣብ ባህሉን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዱን ዘማዕበለ ፣ ብትልሚ ዝምራሕን ደጋዊ ሓገዝ ዘይጥምትን ሕብረተሰብ አብ ምፍጣር ናይ ባዕላ ታራ እትፃወት ፣ ተጠቀምቲ እምነት ዘሕድሩላን ናይ መንበሪ ገዛ ኮነ ናይ መሳርሒ ቦታ ፀገማት ብምፍታሕ ወሳኒ ተራ እትፃወት ትካል ኮይና ምርአይ እዩ።

Uniqueness

ኩሉ ነገር ይከኣል እዩ ኢሎም ዝአምኑን ልዑል ናይ ስራሕ ድሌትን ተበግሶ ዘለዎም አመራርሓን አባላትን ዝሓቖፈ ምኳኑ ፣ ናይ ግዜ ሒሳብ/Time Auditing/ ዝአምንን ዝሰርሕን ትካል ምኳኑ ፣ ናይ ሓሳብ ሓይሊ ልዕሊ ኹሉ ምኳኑ አሚኑን ተቐቢሉን ነዙይ ናብ ተግባር ዘቕይር መስርሕ ሓንፂፁ ዝጉዓዝ ትካል ምዃኑ እዩ።

Mission

  • ትካልና ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር ንአባላት ኮነ ንተጠቀምቲ ዝኸውን መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ህንፃታት ፤ ፅሬቶም ብዝሓለወ ወፃኢ ቆጣቢ ብዝኾነ መንገዲ ህንፀት ምክያድ።
  • ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምውዳብን አብ ሕድሕዶም ዘሎ ዝተፈላለየ ክእለት ፣ ፍልጠትን ገንዘብን ብምውዳድ ናይ ሓባር መንበሪ አባይቲ ኮነ ናይ ስራሕ ቦታ ፀገማት ብሓባር ክፈትሑ ምግባር።
  • ትካልና እትምርሓሉ ምዕሩይ አካይዳ ብምንዳፍ ፣ ሰናይ ምምሕዳር ብምስፋንን አባላት ኣብ ማሕበሮም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾነሉ ዕድል ብምስፋሕን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ መርአያ ምግባር።
  • ንመፃኢ ዝምጥኑን ንዕብየት ረብሓን ተጋሩ ዘፍጥኑን ፅንዓታት ኣብ ስነ ህንፃ ዘለዉ ናይ ዓለምና ቴክኖሎጂ ምትእትታው።
  • ምስ ናይ ከባቢና ሕብረተሰብን ምምሕዳርን ጥቡቕ ርክብ ብምፍጣር ናይ ክልልና ማሕበረ-ኢኮነምያዊ ፅገማት አብ ምፍታሕ ዕዙዝ ተሳትፎ ምግባር።