ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባ ህንፀትን አክስዮን ማሕበር ብተበግሶ ውሑዳት ስራሕ ፈጠርትን ፈተውቲ ልምዓትን ተጋሩ ሓምለ 2014 ዓ/ም ብሓሳብ ተወጢና የካቲት 26/2015 ዓ/ም ብንግዲ ሕጊ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰውነት እንትትረክብ ፤ መጋቢት 30/2015 ዓ/ም ድማ ብ190 መስረቲ አባላትን ብብር 50 ሚልዮን ካፒታልን ዝተመስረተት አክስዮን ማሕበር እያ።
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን አክስዮን ማሕበር እንትኾን አብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማትን አብ ምፍታሕ ናይ ባዕላ ተራ ክትፃወት ዓሊማ ዝተመስረተት ትካል እያ። ትካልና ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተቐመጠ ዕላማ ንምፅዋት ዘኽእልዎ ብዙሓት ተግባራት አብ ምፍፃም ዝርከብ እንትኸውን ፤ ካብዚኦም ውሽጢ ድማ ናይ ገዛ ድሌት ዘለዎም ዓማዊል ምዝገባን ፣ ናይ አክስዮን መሸጣን እናካየደ እዩ ዝርከብ።
ማሕበርና ናይ ምቁጣብ ባህሉን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዱን ዘማዕበለ ፣ ብትልሚ ዝምራሕን ደጋዊ ሓገዝ ዘይጥምትን ሕብረተሰብ አብ ምፍጣር ናይ ባዕላ ታራ እትፃወት ፣ ተጠቀምቲ እምነት ዘሕድሩላን ናይ መንበሪ ገዛ ኮነ ናይ መሳርሒ ቦታ ፀገማት ብምፍታሕ ወሳኒ ተራ እትፃወት ትካል ኮይና ምርአይ እዩ።
ኩሉ ነገር ይከኣል እዩ ኢሎም ዝአምኑን ልዑል ናይ ስራሕ ድሌትን ተበግሶ ዘለዎም አመራርሓን አባላትን ዝሓቖፈ ምኳኑ ፣ ናይ ግዜ ሒሳብ/Time Auditing/ ዝአምንን ዝሰርሕን ትካል ምኳኑ ፣ ናይ ሓሳብ ሓይሊ ልዕሊ ኹሉ ምኳኑ አሚኑን ተቐቢሉን ነዙይ ናብ ተግባር ዘቕይር መስርሕ ሓንፂፁ ዝጉዓዝ ትካል ምዃኑ እዩ።