Project


Studio


Bedroom No
Square 40 Square
Location Diaspora
Start Const September
Price 1,255,292 Birr

1 Bedroom


Bedroom 1
Square 55 Square
Location Serawat
Start Const September
Price 1,726,026 Birr

2 Bedroom


Bedroom 2
Square 70 Square
Location A'diha
Start Const September
Price 2,196,762 Birr

3 Bedroom


Bedroom 3
Square 88 Square
Location Diaspora
Start Const September
Price 2,761,643 Birr

አከፋፍላ ስርዓት

አብዚ ፕሮግራም እዙይ ሰለስተ ዓይነት ናይ አከፋፍላ ስርዓት ዝተዳለወ ኮይኑ:-

  1. ብሓደ ጊዜ ከፊሎም ንዘስርሑ

    • እቲ ናይ ገዛ ዋጋ ብሓደ ዙር ከፊሎም ከስርሑ ዝደልዩ ዓማዊል ዝርዝሩ አብ ውዕል ዝቕመጥ ኮይኑ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሮም ናይቲ ገዛ ህንፀት ሙሉእ ብሙሉእ ዘስርሕ ክፍሊት ምስ ፈፀሙ ካብ ሓደን ክሳብ ሓደ ፈረቓን አብ ዘሎ ግዘ ውሽጢ ተዛዚሙ ቁልፎም ክርከቡ ይግበር።
  2. ብአርባዕተ ዙር ክፍሊት ዝፍፅሙ

    • አብ ቀዳማይ ዙር ህንፀት ቅድሚ ምጅማሩ ንስራሕ መጀመርን መሰረት መውፅኢን ዝውዕል 30% ናይ ዝደልይዎ ገዛ ዋጋ ክፍሊት ይፍፅሙ።
    • አብ ካልአይ ዙር ክፍሊት ናይቲ ገዛ ስራሕ አፈፃፅማ ናብ 50% ዘብፅሕ 30% ናይቲ ዝቐመጠ ዋጋ ይኸፍሉ።
    • አብ ሳልሳይ ዙር ክፍሊት ናይቲ ህንፃ ሙሉእ ቅርፂ (Structural Work) ንምውዳእ ዝውዕል ኮይኑ 25% ናይቲ ዝተቐመጠ ዋጋ ዝኸፍሉ ይኸውን።
    • አብ መወዳእታ እቲ ዝቐረየ 15% ናይቲ ህንፃ መዛዘሚ ስራሕቲ (Finishing Work) ንምስራሕ ዝውዕል ክፍሊት ምስ ፈፀሙ እቲ ስራሕ'ውን ተጠናቒቑ ገዝዖም ዝርከቡ ይኸውን
  3. ብቕድመን ድህረን ቁጠባ ንዝሕቆፍ

    • በዚ መማረፂ ክተአናገዱ ዝደልዩ ዓማዊል መጀመርያ እቲ አቀዲሙ ዝተቀመጠ ጠቕላላ ዋጋ ካብ እዋን ምዝገባ ጀሚሮም ዝኸፍልሉ መስርሕ ዝተቀመጠ እንትኸውን ነዙይ መሰረት ገይሩ'ውን ናይቲ ዓሚል ናይ ምኽፋል ዓቕሚ አብ ግምት ዘእተወ አከፋፍላ ስርዓት ተሸንሺኑ ዝርዝር አተገባብራ ከምዚ ዝስዕብ ተቐሚጡ አሎ።
      • ቅድሚ ህንፀት ምጅማሩ ናይቲ ዝደለዮ ዓይነት ገዛ ወቕታዊ ዋጋ 10% ብምኽፋል ቁጠባ ይጅምሩ።
      • ቀፂሉ ናይቲ ዝተቀመጠ ዋጋ ምስቲ ቀዲሞም ዝኸፈልዎ ገንዘብ ተደሚሩ 25% ክሳብ ዝበፅሑ ዓቕሞም ዝፈቕደሎም ንተኸታታሊ ሓደ ዓመት በብወርሑ ይቑጥብ።
      • ቆጠቦም ዒስራን ሓሙሽተ ሚኢታዊ (25%) ምስ በፅሑ ህንፀት ገዛ ይጅመር።
      • ናይቲ ዝተቐመጠ ወቕታዊ ዋጋ ሓምሳ ሚኢታዊ (50%) እንትቑጥብ እቲ ዝተረፈ 50% በቲ ናይቲ ትካል ወፃኢ ተሸፊኑ ህንፀቱ እንትዛዘም ናይ ገዛ ርኽክብ ይፍፅም።
      • እቲ ገዝኡ ዝርከብ ዓሚል ነቲ በቲ ትካል ዝተሸፈነ 50% ውፃኢ አብ ዝቕፅሉ ዓመታት ቀስ እናበለ በቢወርሑ ዝኸፍል ይኸውን።።
      • ዝኾን ይኹን ዓሚል ቅድሚ 10 ዓመት ምውድኡ ነቲ ዝተረፎ ዕዳ ዘኽፍል ዓቕሚ እንተረኺቡ ግን አብ ዝኾነ ግዜ ናይቲ ገዛ ዋንነት ምሉእ ንምሉእ ብስሙ ከዘዋውር ይኽእል እዩ።